ክረምታዊ ወፍሪ ትምህርቲ ጥዕና፣ ምርመራን ሕክምናን ኣብ ሆስፒታል ዓይደር

 ክረምታዊ ወፍሪ ትምህርቲ ጥዕና፣ ምርመራን ሕክምናን ኣብ ሆስፒታል ዓይደር
ሆስፒታል ዓይደር ክረምታዊ ነፃ ግልጋሎት ወፍሪ ትምህርቲ ጥዕና፣ ምርመራን ሕክምናን 2016 ዓ/ም ኣብ ሆስፒታልና ኣብ ተመላላሲ ሕክምና ማለት ሰርጂካል ኦ ፒ ዲ ኩል ግዜ ኣብ ስራሕ ስዓት ምሃብ ምጅማሩ እንተበስር ሓጎስ ይስምዖ። ስለዚ ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ክትኮኑ እናዓደምና በዚ ኣጋጣሚ ኣብቲ ቦታ ተረኺብኩም ደም ብምልጋስ ሂወት ወገናትና ክተድሕኑን ንፅውዕ።
ዝወሃቡ ግልጋሎታት፦
• ምዕቃን ፀቕጢ ደም፣
• ምርመራ ሕማም ሽኮር፣
• ምርመራ ዓይኒ፣
• ምርመራ መንሽሮ ማህፀን፣
• ምርመራ ኤች ኣይ ቪ፣
• ቅድመ ምርመራ እዝኒ፣
• ምርመራ መንሽሮ ጡብ፣
• ልገሳ ደምን መዕበዪ ግንዛበ ትምህርቲ ጥዕናን እዮም።
ንዝሐሸ ንተግህ!