ብዩኒቨርሲቲ መቐለ ፥ ኮሌጅ ማሕበረሰብ ሳይንስን ቋንቋታትን፤ ክፍሊ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ዝተዳለወ "ግደ ስነ ፅሑፍን ታሪኽን ኣብ ዕቤት ቋንቋ ትግርኛ" ዝብል መድረኽ ሎሚ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ ተሳሊጡ።
አብ'ቲ መድረኽ ምትእስሳር ስነቓልን ስነ ፅሑፍን ከምኡ ውን ግደ ስነፅሑፍን ታሪኽን ኣብ ዕቤት ቋንቋ ትግርኛ ዘርኢ ዳህሳስ መፅናዕቲ ብዶክተር ሃይሉ ሃፍቱ ዝቐረበ እንትኾን፤ ተሳተፍቲ'ውን ኣብ'ቲ ዝቐረበ ዳህሳስ መፅናዕቲ መሰረት ዝገበረ ምይይጥ ኣካይዶም።
ኣብ'ቲ ዓዉደ ዘተ ተሳተፍቲ ብቐፃሊ ምስ ዝምልከቶም መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብሓደ ብምዃን ትሉም ዝኾነ ስራሕ ክስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።