ፕሮጀክት ሚድያ ልቦናዊ

ፕሮጀክት ሚድያ ንስነ ልቦናዊ ማሕበራዊ ደገፍ ኣብ ትግራይን ገምጋም አፈፃፅማ ስራሕ እቲ ኘሮጀክት ኣድሂባ ዘተ ተካይድ።

ፕሮጀክት ሚድያ ልቦናዊ1
እዚ መዛዘሚ ኘሮጀክት ዝኾነ ዋዕላ ዘካየዱ ኣካላት ሞሞና ዩኒቨርስቲ መቐለ ማሕበረሰብ ሬድዮን ኦምኒ ኮም ንሓቂ ፍውንደሽንን እንትኾኑ፤ እዚ ኘሮጀክት ብዩ ኤስ ኤይድ ድጋፍ ዝተፈፀመ ዩ። ኣብ'ቲ መድረኽ ተወከልቲ እተን ትካላት መደረ ዘስምዑ ኮይኖም፤ ዳይሬክተር ኤፍ ኤም ሞሞና 96.4 ዝኾኑ መምህር ያፌት ታደሰ ዕውት ኘሮጀክት ምንባሩን ልዕሊ 13 ዝኮኑ መደባት ሕውየት ተሰሪሖም ናብ ሰማዒ ከምዝበፅሑ ዝሓበሩ እንትከውን፤ ንዝተገበረሎም ሓገዝ ናውቲ ሚዲያ ኣመስጊኖም። ኣብ'ቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ተወከልቲ ዩ ኤስ ኤይድ ብቐፃልነት ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ሓቢሮም። ናይ'ቲ ዕለት ናይ ክብሪ ጋሻ ዶክተር ዓብደልቃድር ከድር ምክትል ኘሬዝደንት ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ኣካዳሚ ጉዳይ ከምዚ ዝበሉ ንማሕበረሰብ ዝጠቕሙ ስራሕቲ ክቕፅሉ ከምዘሎዎም ብምፅዋዕ፤ ንዝተገበረ ሓገዝ ናውቲን ምትሕብባርን ድማ አመስጊኖም።

ፕሮጀክት ሚድያ ልቦናዊ2