ንዓመታት ግልጋሎት ሕክምና ክፅበዩ ዝፀንሑ ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሕክምና ይረኽቡ ኣለዉ ፡

 ንዓመታት ግልጋሎት ሕክምና ክፅበዩ ዝፀንሑ ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሕክምና ይረኽቡ ኣለዉ ፡፡
መቐለ፥ 30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ) -
ብምትሕብባር ሰብ ሞያ ጥዕና ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፁ ዓለም ለኸ ሰብ ሞያ ሕክምና ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ በፂሕዎም ንዓመታት ግልጋሎት ሕክምና ክፅበዩ ንዝፀንሑ ጉድኣት ኲናት ተጋድልቲ ግልጋሎት መጥባሕቲ ይህቡ ኣለዉ ፡፡

ዝፀንሑ ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ1
ግልጋሎት መጥባሕቲ ዝረኸቡ ተሓከምቲ ብወገኖም ንዓመታት ኣብ ቓንዛ ከምዝነበሩን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ወፃኢ ከይዶም ክረኽብዎ ዝነበረ ዕድል ሕክምና ኣብ ሃገሮም ብገበርቲ ሰናይ ብነፃ ግልጋሎት መጥባሕቲ ብምርካቦም ካብ ስቓይ ወፂኦም ኣካላዊን ስነልቦናውን ሕውየት ከምዝረኸቡ ይገልፁ ፡፡
ሐዚ እውን እዚ ዕድል ዘይረኸቡ ብርክት ዝበሉ ወገናት ብምህላዎም ብናይ ውሽጥን ወፃኢን ሰብ ሞያ ዝግበር ዘሎ ሕክምናዊ ድጋፍ ተጠናኽሩ ንክቕፅል ፀዊዖም፡፡
ካብ ዓለም ለኸ ሰብ ሞያ ጥዕና ረዳት ፕሮፈሰር ዶ/ር ቶማስ ካምፒል ኣብ ተሓከምቲ ዝበፅሐ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከቢዲን ዝተሓላለኸን ብምዃኑ መጥባሕቲ እንትገብሩ ካብ 8 ክሳብ 13 ሰዓታት ከም ዝወስድን ኣብ ፃንሒቶም ንልዕሊ 20 ተሓከምቲ ግልጋሎት ከምዝውሃብ ገሊፆም ፡፡
መጥባሕቲ ዝውሃቦም ዘሎ ተሓከምቲ ምእንተ ህዝቦም ኢሎም ኣካሎም ዝኸፈሉ ግን ድማ ብሰንኪ ዓቕሚ ሰብ ሞያን ናውቲን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ሕክምና ስኢኖም ኣብ ስቓይ ዝነበሩ ተጋደልት ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር በዓል ሞያ መጥባሕቲ ዶ/ር ኣሸናፊ ይትባረክ እቲ ግልጋሎት ሕክምና ህይወቶም ናብ ንቡር ንክምለስ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡